Consent (Tigrinya) – ፍቓድ

  • ፍቓድ: ውላድካ ሕክምና ንኽገብር ፍቓድ ምሃብ (Consent: giving permission for your child to have treatment)

    ኣብ ሮያል ቺልድረንስ ሆስፒታል (RCH) ንውላድካ ብዝምልከት ኣብ ግቡእ ሓበሬታ ዝተሰነየ ውሳነታት ንኽትገብር ዘድልየካ ኩሉ ሓበሬታ ክህልወካ ንደሊ ኢና። እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ፍቓድ ምርካብን ንሕክምና ሓደ ሕሙም ኣብ RCH ብኸመይ ስምምዕ ክንረክብ ከም እንጽዕርን ይገልጽ።

    ኣብ ክንክን ጥዕና፡ ፍቓድ እንታይ እዩ? (What is consent in healthcare?)

    ፍቓድ ንሕክምና ክንክን ጥዕና፡ ኣገባብ ሕክምና፡ ምኽሪ ወይ ካልእ ምትእትታው ንምስምማዕ ዝግበር ውሳነ እዩ።

    ፍቓድ ቅድሚ ምሃበይ እንታይ ኣብ ግምት ከእቱ ኣለኒ? (What should I consider before giving consent?)

    ንሕክምና ውላድካ ክትሰማማዕ ከለኻ፡ ሕቶታት ክትሓትትን ዝኾነ ክህልወካ ዝኽእል ስክፍታታት ክትዛተየሉን ዕድል ኣብ ዝሃበካ መስርሕ ዝተመርኮሰ ክኸውን ኣለዎ።

    ብጥበብ ምምራጽ ኣውስትራልያ (Choosing Wisely Australia) ፍቓድ ቅድሚ ምሃብካ ንወሃቢ ክንክን ጥዕናኻ ክትሓቶ እትደሊ ሓሙሽተ ሕቶታት ዝሓዘ ዝርዝር ኣቕሪቡ ኣሎ።

    ቅድሚ ዝኾነ መርመራ ወይ ሕክምና ምግባርካ ንሓኪምካ ወይ ካልእ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ክትሓቶ ዘለካ 5 ሕቶታት (Five questions to ask your doctor or other health care provider before you get any test, treatment or procedure)

    1 እዚ መርመራ ወይ ሕክምና ብሓቂ የድልየኒ ድዩ? (1. Do I really need this test or procedure?)

    መርመራታት ንዓኻ፡ ንሓኪምካ፡ ወይ ንኻልእ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ነቲ ጸገም ንምፍላጥ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ኣገባባት ሕክምና ንምፍዋስ ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም።

    2 እንታይ ሓደጋታት ኣለዎ? (2. What are the risks?)

    ጎድናዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ድዩ? ቅኑዕ ዘይኮነ ውጽኢት ናይ ምርካብ ዕድላት ክሳዕ ክንደይ እዩ? እዚ ናብ ዝያዳ መርመራ ወይ ካልእ ኣገባብ ሕክምና ኪመርሕ ይኽእል ድዩ?

    3 ካብዚ ዝቐለለን ውሑስን ኣማራጺታት ኣሎ ድዩ? (3. Are there simpler, safer options?)

    ሓድሓደ ግዜ ኣብ ኣነባብራኻ ለውጢ ምግባር ጥራይ እዩ ዘድልየካ፣ ንኣብነት፡ ጥዕና ዘለዎ መግቢ ምብላዕ ወይ ዝያዳ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባር።

    4 ዋላ ሓንቲ እንተ ዘይገይረ እንታይ ይኸውን? (4. What happens if I don’t do anything?)

    እቲ መርመራ ወይ ኣገባብ ሕክምና ብኡንብኡ እንተ ዘይገይርካ፡ ኩነታትካ ዝገድድ ወይ ዝሓይሽ እንተ ዀይኑ ሕተት።

    5 ክንደይ ወጻኢታት ኣለዎ? (5. What are the costs?)

    እቲ ወጻኢታት፡ ገንዘባዊ፡ ስምዒታዊ ወይ ናይ ግዜኻ ወጻኢታት ክኸውን ይኽእል። ንማሕበረሰብ ዝኸውን ወጻኢታት ኣብ ዘለዎ፡ እቲ ወጻኢታት ርትዓዊ ድዩ ወይስ ዝሓሰረ ኣማራጺ ኣሎ?

    መን እዩ ፍቓድ ክህብ ዝሓተኒ? (Who will ask me to give consent?)

    ኣብ መብዛሕትኡ ኩነታት፡ እቲ ፍቓድካ ዝሓትት ሰብ፡ እቲ ወሃቢ ክንክን ጥዕና እዩ። ብቑዕ ብቕዓት ዘለዎምን ብዛዕባ እቲ ሕክምና እኹል ኣፍልጦ ዘለዎምን ሓደጋታትን ረብሓታትን ዝኾነ ይኹን ኣማራጺታት ዝርድኡን እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ሓኪም ፍቓድካ ክሓትት እዩ፣ ገለ ካብቶም ካልኦት ሰራሕተኛታትና እውን ፍቓድ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም።

    ከመይ ገይረ ፍቓደይ ክህብ እኽእል? (How can I give my consent?)

    ፍቓድ በዞም ዝስዕቡ መገድታት ክወሃብ ዝኽእል ኮይኑ ኣብቲ ሕክምና ወይ መርመራ ዝምርኮስ እዩ፦

    • ብዘይ ቃል – ንኣብነት፡ ሓንቲ ነርስ ጸቕጢ ደሙ ክትወስድ ምእንቲ ቅልጽም ውላድካ ምዝርጋሕ።
    • ብቓላት – ውላድካ ክንክን ኽረክብ ፍቓድ ከም እትህብ ብምግላጽ።
    • ብጽሑፍ – ውላድካ ሕክምና ኽረክብ ፍቓድ ዝህብ ናይ ፍቓድ ቅጥዒ ብምፍራም።

    እንግሊዝኛ ዝመርጾ ቋንቋ እንተ ዘይኮይኑኸ? (What if English isn’t my preferred language?)

    መስርሕ ፍቓድ ከም ዝተረዳኣካ ንምርግጋጽ ተርጓሚ ከነዳሉ ንኽእል ኢና። እቲ ናይ RCH ቅጥዒ ፍቓድ ናብዞም ዝስዕቡ ቋንቋታት እውን ተተርጒሙ ኣሎ፦ ዓረብኛ፡ ቻይንኛ (ዝተቓለለ)፡ ቻይንኛ (ባህላዊ)፡ ዳሪ፡ ዲንካ፡ ፋርሲ፡ ሃካ ቺን፡ ካረን፡ ኦሮሞ፡ ፑንጃቢ፡ ሶማሊ፡ ታሚል፡ ትግርኛ፡ ቱርኪ፡ ዩክሬንኛ፡ ኡርዱ፡ ከምኡ እውን ቬትናሚዝ።

    ሓደ ዝድግፈካ ሰብ ምሳኻ ኣብ ናይ ፍቓድ ዘተ ክሳተፍ እውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

    መዓስ እየ ፍቓድ ክህብ ዝሕተት? (When will I be asked to give consent?

    እቲ ተሓሲቡ ዘሎ ሕክምና ዝተሓላለኸ፡ ርኡይ ሓደጋታት ዘለዎ ወይ ምምሕልላፍ ደም ዘድልዮ ክኸውን ዝኽእል ምስ ዝኸውን ብጽሑፍ ፍቓድ ምርካብ የድሊ። ውላድካ ከም ዝድቅስ ንዝግበረሉ ኣገባባት ሕክምና (መደንዘዚ ብምሃብ)፡ ኩሉ ግዜ ናይ ጽሑፍ ፍቓድ የድሊ።

    እቲ ፍቓድ ምስ ሓደ ፍሉይ ኣገባብ ሕክምና ዝተኣሳሰር ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ቅድሚ እቲ ዝተመደበ ኣገባብ ሕክምና፡ ኣብ ክሊኒክ ቅድመ-ምዝገባ ወይ ኣብ ቆጸራ ገምጋም ናይ ደገ ሕሙማት፡ ናይ ጽሑፍ ፍቓድ ክሕተት ይከኣል። ኣብቲ ናብ ሆስፒታል እትኣትዉሉ መዓልቲ፡ እቲ ኣገባብ ሕክምና ክትቅበሉ ሕጉሳት እንተ ዄንኩም ከነረጋግጽ ኢና።

    ኣብ ህጹጽ ኩነታት እንታይ እዩ ዝኸውን? (What happens in an emergency?)

    ኣብ እዋን ህጹጽ ኩነታት፡ ሓደ ወሃቢ ክንክን ጥዕና፡ እቲ ሕክምና ኣብ ህይወት፡ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጥዕና እቲ ሕሙም ከቢድን ዘየላቡን ሓደጋ ንምክልኻል ኣድላዪ ምዃኑ ብምኽንያትን ብቕንዕናን እንተ ኣሚኑ፡ ፍቓድ ከይረኸበ ብሕጋዊ መገዲ ነቲ ግቡእ ኣገባብ ሕክምና ኽገብሮ ይኽእል።

    መን ፍቓድ ክህብ ይኽእል? (Who can give consent?)

    ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት፡ ፍቓድ ክህብ ዝሕተት እቲ ወላዲ ወይ ሕጋዊ ኣላዪ (ንቆልዓ ዝምልከት ሕጋዊ መሰል፡ ሓላፍነት፡ ግዴታ፡ ከምኡ እውን ስልጣን ዘለዎ ሰብ) እዩ። ህጻናት ኣብ ዝተወሰኑ ኣጋጣሚታት ፍቓድ ክህቡ ከም ዝኽእሉ ምርዳእ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምዚ ናይ ምግባር ዓቕሞም ኣብ ዕድሚኦምን ሕክምና ክቕበሉን ዘይክቕበሉን ውሳነ ኣብ ናይ ምግባር ዓቕሞምን ይምርኮስ። ወሃቢ ክንክን ጥዕናኻ ውላድካ ክሳብ ክንደይ ፍቓድ ክህብ ከም ዝኽእል ምኽሪ ክህብ ይኽእል እዩ።

    መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ከም ወለዲ ዀይኖም ዝናብዩ ናበይቲ (Foster carers) ሕጋዊ ናይ ወለዲ ሓላፍነት ስለ ዘይብሎም፡ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ዕቝባ ቘልዓ (Child Protection Order) ንዘሎ ቈልዓ መን ፍቓድ ክህበሉ ኸም ዝኽእል ንምርግጋጽ ምስ ወሃብቲ ዕቝባ ቈልዓ (Child Protection) ርክብ ክግበር ኣለዎ።

    ምስቲ ተሓሲቡ ዘሎ ሕክምና እንተ ዘይተሰማሚዐኸ? (What if I do not agree with the proposed treatment?)

    ሕሙማት/ስድራቤታት ምስቲ ዝምከር ሕክምና ኣብ ዘይሰማምዑሉ ኩነታት፣ ዘይምስምማዕ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህጻን ጉድኣት ከስዕብ ዝኽእል እንተ ዀይኑ፡ እቲ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ንረብሓ እቲ ሕሙም ኢሉ ሕጋዊ ምኽሪ ክሓትት ይኽእል እዩ።

    ሓሳበይ እንተ ቐይረ እንታይ ይኸውን? (What happens if I change my mind?)

    ፍቓድ ድሕሪ ምሃብካ ኣብ ዝኾነ እዋን ሓሳብካ ክትቅይር ትኽእል ኢኻ። ሓሳብካ እንተ ቐይርካ፡ ፍቓድ ምስሓብካ ብጽሑፍ ክትምዝግቦ ክትሕተት ትኽእል ኢኻ።

    መሰለይ እንታይ እዩ? (What are my rights?)

    ብዛዕባ ሓደጋታትን ረብሓታትን ዝኾነ ይኹን ሕክምናዊ ፍወሳ ምሉእ ሓበሬታ ክትረክብ መሰል ኣለካ። ውሳነ ንምውሳን ዘድልየካ ኩሉ ሓበሬታ ክትቅበል፡ ከምኡ እውን ሕቶታት ክትሓትትን ዘዕግብ መልሲ ክትረክብን መሰል ኣለካ።

    ንዓኻትኩም ዘለና ተወፋይነት (Our commitment to you)

    ኣብ RCH፡ ብዛዕባ ዝኾነ ንውላድካ ወኪልካ እትገብሮ ውሳነ መሺእካ ክትውስን ኢና እንደሊ። ዝኾነ ሕቶ እንተ ኣልዩካ፡ በጃኻ ነቲ ፍቓድ ክትህብ ዝሓተካ ዘሎ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ሕተቶ። እንተ ዘይተረዲኡካ ኩሉ ግዜ ደጊምና ክንገልጸልካ ክትሓትተና ጽቡቕ እዩ፡ ወይ ድማ እንተድኣ ኣድልዩካ ዝያዳ ግዜ ክውሃበካ ሕተት።

    ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ሕክምናዊ ፍቓድ ኣብዞም ዝስዕቡ ሊንክታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፦


    Last updated June 2023